ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ግብርና ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮግራም ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ዕላዊ ክግበር እዩ-ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2017(ኢዜኣ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝበለፀ ተረባሕትን ተሳተፍትን ዝገብር ፕሮግራም 5 ዓመት ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ዕላዊ ከምዝግበር ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፤ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር ካብ ዋንነት መሬት ጀሚሩ ተራባሕቲ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ፕሮግራማት ተግባራዊ እናተገበሩ እዮም ዝርከቡ።
ደቂ ኣንስትዮ ዋንነት መሬት ንምርግጋፅ ምስ ሚኒስቴር ግብርናን መዳርግቲ ትካላትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽፋን ዋንነት መሬት ደቂ ኣንስትዮ 60 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ሓቢረን።
ከባቢ 90 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር ካብ ጣብያ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ኣወዳድባታት ሕብረት ልምዓት ንክውደባን ናይ ባዕለን ሃፍቲ ንከፍርያን እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ኣብ ቀፃሊ መስከረም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝበለፀ ተረባሕትን ተሳተፍትን ዝገብር ፕሮግራም 5 ዓመት ዕላዊ ክኸውን እዩ ኢለን።
እቲ ፕሮግራም ብብርኪ ፈተነ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከምዝጅመርን ኣብ ካልኦት እውን ከምዝቕፅልን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም