ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣርባዕተ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2017 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ብኣርባዕተ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ደረጀ እንግዳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ደረጀ እንግዳ (ዶ/ር) እቲ ኣፍልጦ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብራህርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህርሂኦም እውን፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ዝህቦም መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎምን ተወዳደርትን ንክኾኑን እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ቦርድ ወሃቢ ኣፍልጦ ኢንጅነሪንግን ቴክኖሎጂን(ABET) ብኣርባዕተ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም።
እቲ ኣፍልጦ ዝረኸቦ ብቀዳማይ ዲግሪ ብዝህቦም መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ባዮ-ቴክኖሎጂ፣ሳይንስ ምግብን ስነ ምግብን፣ኢንዱስትሪያል ኬሚስትሪን ጂኦሎጂን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ኣፍልጦ ንተመረቕቲ ተምሃሮ ብብርኪ ዓለም ዕድላት ስራሕ ከምዝፈጥርን ሓበሬታ ትምህርቶም ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ንክህልዎ ከምዘኽእልን እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ መላእ ዓለም ተምሃሮ ተቐቢሉ ንከምህር ዘኽእሎ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም