መዓልትታት ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ንምኽባር ምድላው ተገይሩ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልትታት ጳጉሜን ብብርኪ ሃገር ንምኽባር ምድላው ተገይሩ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ /27/2017(ኢዜኣ) 5 መዓልትታት ጳጉሜን ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋትን ስያመን ንምኽባር ስራሕቲ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያ ጠመተ ዝገበረ መግለፂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትር ምድላው ኣከባብራን ስያመን 5 መዓልትታት ወርሒ ጳጉሜን ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ 5 መዓልትታት ጳጉሜን መሸጋገሪ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን 1 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት፣2 ጳጉሜን መዓልቲ ሕብረት፣3 ጳጉሜን መዓቲ ፀብለልታ፣4 ጳጉሜን መዓልቲ ምንስርራእን 5 ጳጉሜን ድማ መዓልቲ ፅባሕን ብዝብል ከምዝኽበሩ ተዛሪቦም።
እቶም መዓልትታት ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝኽበሩ እውን ኣረዲኦም።