ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዘኽእል መሰረት ኣንቢርና ኢና-ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዘኽእል መሰረት ኣንቢርና ኢና-ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዘኽእል መሰረት ኣንቢርና ኢና ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያ ጠመተ ዝገበረ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ለውጢ ብናይ ባዕልና ኣካይዳ ልምዓትን ብሓቛፋይ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ብርክት ዝበሉ ዓወታትን ፀብለልታን ኣመዝጊብና ኢና ኢሎም።
ብዘላቒ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ እናተመራሕና፣ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ፣ልኣላዊነት ምግቢ ብምርግጋፅ ኢትዮጵያ ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕ ዘኽእል መሰረት ኣንቢርና ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፍርያታ ኢንዱስትሪ ተኪእና ኢና ኢሎም።