ግድብ ሕዳሰ ሕልሚ ዘበናት ኣባይ ናብ ፍረ ምፍራይ ንክሸጋገር ጌይሩ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ግድብ ሕዳሰ ሕልሚ ዘበናት ኣባይ ናብ ፍረ ምፍራይ ንክሸጋገር ጌይሩ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ሕልሚ ዘበናት ኣባይ ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ንክቐየር ምግባሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙአዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ”ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ወግዒ ኣብ ጉባ ኣካይዶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያውያን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብሩባ ኣባይ ተረቢሖም ንምዕባይ ድልየት ከምዝነበሮምን ፈተነታት ከምዝገበሩን ኣመልኪቶም ።
እቶም ፈተነታት ብሕፅረት ገንዘብ ፣ብውስኑነት ዓቐሚ ቴክኒክ፣ ዘይ ሙዑሩይ ጂኦ ፖለቲካን ብብርክት ዝበሉ ምኽንያታትን ፈተነታት ክይዕወቱ ምግባሩ ኣቐሚጦም ።
ንኣባይ ኣመልኪቶም ብርክት ዝበሉ ስነ ፅሑፋት፣ግጥምታት፣ደርፍታት ካብ ሃፍቱ ከይተጠቐመ ብምሕላፉ ንዘለዉ ነስሓታት ኣጉሊሆም ዘርእዩ እዮም ኔሮም ኢሎም።
ብሃፍቲ ርቡኡ ተጠቒሙ ንህንፀት ግድብ ሕዳሰ ምስላጥ ዝተኽኣለ ካብ ድኹም ጂኦ ፖለቲካ ናብ ዝሓሸ ውፅኢት ስግግር ቁመና ብምስጋሩ ምዃኑ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ንዝደኸመ ጂኦ ፖለቲካዊ ቁመና ፍፁም ኣይንቕበልን ንዓና ኣይምጥነናን፣ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ስፍሓት እንትዕቀን ንታሪኽ ህዝቢ ዝምጥን ኣይኮነን ብምባል ንተረኽ ብምቐያር ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣመልኪቶም።
ብጂኦ ፖለቲክስ ዝሓሸ ቁመና ንምሓዝ እናተሳለጠ ብዘሎ ስራሕን ካልኦት ምቹው ኩነታትን ንሕልሚ ዘመናት ጣሕሳን ንብዓትን ናብ ፍረን ውፅኢትን ንክቐየር ከምዝገበረ ተዛሪቦም።