ግድብ ሕዳሰ ንኢትዮጵያውያን ብርሃን ኣላቢሱ እዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኢትዮጵያውያን ብርሃን ዘላበሰ ዓብይ ሃገራዊ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚነስትር ሙአዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ”ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ወግዒ ኣብ ጉባ ኣካይዶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከይዲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣዝዩ መሀከያይ ፣መድከሚ ዘጨቓጭቐን ንፅንዓት ዕላማ ዝፈታተንን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም ።
ደገፍ ገንዘብ ዘይምርካብ፣ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ፣ለበዳ ኮቪድ-19፣ለበዳ፣ውጥረት ቐይሕ ባሕርን ካልኦት ፈተናታትን ተደራሪቦም ህንፀቱ ብፈተና ዝተመልአ ገይሮምዎ ከምዝነበሩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ብዝተደመረ ዓቕሞምን ፅንዓት ዕላማን ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንክዛዘም ምግባሮም ኣመልኪቶም።
በዚ እውን እቲ ግድብ ዝነበረ ነስሓን ጥርዓንን ካብ ምትራፉ ብተወሳኺ ብርሃን ምርካብ ከምዝተኸኣለ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም።
ካብ እዚ ግድብ ብርሃን እዩ ዝወፀ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንብርክት ዝበሉ ፀልማት ዝወረሶምን ኣብ ድኽነት ዘለዉን ወገናት ብርሃን ምብሳሩ ኣረዲኦም።
ምዝዛም እቲ ግደብ ንኢትዮጵያ፣ነቲ ዞባን ኣሕዋትናን ዓብይ ብስራት እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ነቲ ብስራት ንምርኣይ ዝወሰዶ ግዘ ዋላ ኳ ነዊሕ እንትኾነ ዝተረኸበ ፍረ ግና ኣዝዩ ጥዑም ከምዝኾነ ገሊፆም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም