ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

“ቦረና ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ሓጎስ ኣርባሕቲ ቦረና ርኢና!
ሕፅረት ዝናብ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ንክፍተን ገይርዎ ዝነበረ ዞባ ቦረና ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ዞባ ነቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ፊና 14 ግድባት ምህናፆም ሕፅረት ማይን ቀለብ እንሰሳትን እቲ ኣርባሓይ ንክፍታሕ ከምዘኽኣሉ ተዓዚብና ኢና።
ፊና ማይ፣መሬት፣ሳዕሪ እንሰሳት ምምሕዳርን ምስ ሂወት ኣተኣሳሲሩ ዘላቒ መፍትሒ ንክህቡን ምኽኣል እዩ፤ እዚ ድማ ህዝቢ ቦረና ብተግባር ከርኢ ክኢሉ እዩ።
ሎሚ ኣርባሕቲ ቦረና ስግኣት ድርቂ የብሎምን። ከፍቲ ብፅጋብ ውዒለን ይምለሳ፤ ልምዓት ኣሎ ማይ እውን ኣሎ፣ቀለብ እንሰሳት ኣሎ ኣብ ቦረና ከሉ ሙሉእ እዩ።
ፀገም ሜላ ይወልድ ከምዝበሃል ህዝቢ ቦረና ንካልኦት እውን መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ሰሪሑ እዩ። እዚ ተግባራዊ ንዝገበሩ በቢብርኩ ንዝርከቡ ኣመራርሓን ህዝቢ ቦረናን ምስጋናይ ከቕርብ ይፎቱ።”