ዓብይ ግድብ ሕዳሰ በቢዓመቱ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ከምዝርከቦ ትፅቢት ይግበር-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)



ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ በቢዓመቱ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ ከምዝርከቦ ትፅቢት ከምዝግበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።


ኣብ ጉዳያት ማሕበራዊ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ሙአዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ወግዒ ኣብ ጉባ ኣካይዶም።


ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣባይ መሕደሪ የብሉን ጉንዲ ሒዙ እዩ ዝዘውር ዝበሃል ታሪኽ ኣብቂዑ እዩ።


ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብልፅግና ምርግጋፅ ከምትኽእ ዘርኢ እዩ ኢሎም።


ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ካብ ፍርያት ሓይሊ ብተወሳኺ ኩለመዳያዊ ረብሓታት ከምዘለውዎ እውን ተዛሪቦም።


ካብቲ ግድብ በቢዓመቱ ከባቢ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክርከብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ነቲ ግድብ ዝወፀ ወፃኢ ኣብ ዝተወሰኑ ዓመታት ከምዝምልስ ኣረዲኦም።


ብምትሕብባርን ብምድማርን ከምኡ እውን ዕቑር ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ብምጥቃም ንቀፃሊ ወለዶን ካልኦትን ንክተርፍ ንምግባር ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።


ካብቲ እንርእዮን እንብህጎን ናይ ርሑቕ ሕልምና ዓይንና ከይነቐልና ተጊህና ብዝተደመረ ዓቕሚ እንተተሰሪሑ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ምዕዋት ከምዝከኣል እውን ፀሪሖም።
ኣብዚ መዳይ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዘርኢ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።


ብድሌታትን ረብሓታትን ኢትዮጵያ ዘይደራደር ወለዶ ንክፍጠርን ምስ ካልኦት ኣብ መትከል ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ርክብና ንምሕላውን ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።


ኢትዮጵያውያን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምዝዛሙ እንኳዕ ደስ በለኩም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ህዝቢ ኣሰር ታሪኹ ዘዕረፈሉ ግድብ ንክጉብኒ ፃውዒት ኣቕሪቦም።


ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምህናፅ ሕልማ ጋህዲ ንምግባር ከምትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም