ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ወይ ድማ 15 መዓልትታት ንዑደት ክፍቲ ክኸውን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ወይ ድማ 15 መዓልትታት ንመላእ ኢትዮጵያውያን ንዑደት ክፍቲ ከምዝግበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓቢሮም።
“ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝገበርዎ ወግዒ ኣብ ጉባ፤ ጂኦፖለቲካና ስለዝተቐየረ ኣንሰራሪእና ኢና ኢሎም።
ኣባይ ማለት ኢኮኖሚያዊ ፋይድኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ንዘለውዋ ሕልምታት ብፍላይ ድማ ዓብይ እታዎት ምዃን ዝኽእል ስለዝኾነ ናይ ምንስርራእ ዘበኑ ኣብ ሕዳሰ፣ከተማታና፣ግብርና፣ቱሪዝምን ካልኦት ስራሕትናን እናተርኣየ እዩ ኢሎም።
ዋሕዚ ዲያስፖራን ቱሪስትን ብዝለዓለ ኩነታት እናወሰኸ ከምዝመፀ እውን ፀሪሖም።
እቲ ምንስርራእ ዝረአን ዝጭበጥን ኮይኑ እዩ፤ ንዓና ዝበለፀ ዓቕሚ ንካልኦት ድማ ዐይኒ ዘንቅሕ እዩ ኢሎም።
ድሕሪ ሓደ ወይ ድማ ክልተ ሰሙን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ንዑደት ክፍቲ ከምዝኸውን እውን ገሊፆም።
ነዚ ድማ መዕርፎ ነፈርትን ልዕሊ 100 መዕረፊ ኣጋይሽ ቪላታትን ከምዝተዳለወ ኣፍሊጦም።
ጎብነይቲ እውን እዚ ንዘበናት ቀፍዲዱ ዝሓዘ ፀገም ኢትዮጵያ እዚ ወለዶ ከመይ ሰይሩ ከምዝሓለፎ ክዕዘቡ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም