ኣብ ሕድ ሕድ መዓልቲ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ጉዳያት ጀሚራ እናዛዘመት ኢኮኖሚያዊ ቦትኣ ክተመሓይሽ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሕድ ሕድ መዓልቲ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ጉዳያት ጀሚራ እናዛዘመት ኢኮኖሚያዊ ቦትኣ ክተመሓይሽ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ሕድ ሕድ መዓልቲ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ጉዳያት ጀሚራ እናዛዘመት ኢኮኖሚያዊ ቦትኣ ክተመሓይሽ እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
“ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝገበርዎ ወግዒ ኣብ ጉባ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዝተኣማልአ ኩነታት ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ታሪኽ ዘኽታምነት ጂኦፖለቲክስ ኢትዮጵያ ኣብቂዑ እዩ ኢሎም።
ንሽሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ፈተና ኣባይ እዩ ኔሩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሕሪ ሕዚ ዘሎ ኣባይ ውላድ ስለዝኾነ ቀሊል ኢሎም።
ጀሚርና ምዝዛም ከምንኽእል ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ርኢና ኢና፤ ኣብ ዝቕፅሉ 5፣10ን 15 ዓመታት እውን ከም ሕዳሰ ዝበሉ ሜጋ ፕሮጀክትታት ክንጅምር ኢና፤ እዞም ስራሕቲ ስፍራ ኢኮኖሚና ከስተኻኽልዎ እዮም ኢሎም።
ምንም ጥርጥር የብሉን ኣብ ሕድ ሕድ መዓልቲ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ጉዳያት ጀሚራ እናዛዘመት ኢኮኖሚያዊ ቦትኣ ክተመሓይሽ እያ ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ነዚ ስዒቡ እውን ናይ ድኽነት ሽማ ክቕልበስ እዩ፤ ናይ ጥሜት ሽማ ክቕየር እዩ፤ ዝበልፀገት፣ድሌታ እተኽብርን እተረጋግፅን፣ካብ ዓለም ስርናይ ይኹን ፍትሒ ዘይትልምን ሃገር ክትኸውን እያ ኢሎም።