ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ከም ስሩዕ ፕሮጀክት ዘይኮነስ መስበሪ ኣርዑት ዘበናት፣መስመር መዕፀፊ ታሪኽ ገይረ እየ ዝሪኦ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ከም ስሩዕ ፕሮጀክት ዘይኮነስ መስበሪ ኣርዑት ዘበናት፣መስመር መዕፀፊ ታሪኽ ገይረ እየ ዝሪኦ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።

“ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝገበርዎ ወግዒ ኣብ ጉባ፤ ምስ ክትትልን ዕዉት ኣፈፃፅማን ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዘተኣሳሰረ ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ገለፅኦም እውን፤ ሓደ ስራሕ ጀሚርካ ንምውዳእ ብቀዳምነት ዛዚምካ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ የድሊ ኢሎም።

እቲ ቀዲምና ወዲእና ዝረኣናዮ ነገር ብዙሓት ንክርእይዎ ድማ ብዝለዓለ ዲስሲፕሊን ምትጋህ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ናብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምምልላስ ብንቕሓት ክትትል ከምዝገበሩ ፀሪሖም።

ስራሕ ኽትትል ንዝኾነ ዑደት ስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተግሃ ኣዴታት ደቀን ንፍረ ከምዘብቅዓ ኩሉ፤ ዝተግሁ ሰራሕተኛታት ድማ ሃገሮም ንፍረ ኣብቂዖም እዮም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸውን ዘሎ እውን እዚ እዩ ኢሎም።

ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ከም ስሩዕ ፕሮጀክት ኣይሪኦን፤ መስበሪ ኣርዑት ዘበናት፣መስመር መዕፀፊ ታሪኽ ገይረ እየ ዝሪኦ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ከምቲ ዝፍለጥ ኣባይ ንዘበናት እናኸደና ፀኒሑ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ማይ ከይዱና ማለት ጠፊእና ማለት እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ ዝኸደና ማይ ጥራሕ ስለዘይኮነ ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣተሓሳስብ ሕዳሰ ማይ ንክኸደና ዘይኮነስ ጀልባ ሰሪሕና ንሕና ኣብቲ ማይ ክንኸደሉ እዩ፤ በዚ ድማ ዓሳ ክንገፈሉ እዩ፤ ዘትረፍናዮ ሓመድ መርሚርና ወርቂ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ንክንፈሊ እዩ ክብሉ ኣብራህሪሆም።

ኣባይ ብምዝዛም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዓወት ታሪኽ ምርግጋፅ ናይ መወዳእታ ፀሎተይን ባህገይን ኔሩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

እንትጅመር ፈጣሪ እቲ ዓብይ ኣባይ ንኢትዮጵያ ኣሚኑ ዝሃቦ ብፍትሓዊነት ከምንጥቀመሉ ስለዝኣመነሉ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ክብሉ ኣረዲኦም።

በዚ ኣግባብ እዩ ግድብና ንፍረ ዘብቃዕናዮ፤ ኣብ ሱዳን ይኹን ግብፂ ዘለዉ ግድባት ዋላ ሓደ ሊትር ኣይቀነሱን እኹል ሓበሬታ ኣለና፤ ንቀፃሊ እውን ንከይቕንሱ እዩ ናትና ድሌት፤ በዚ ኣግባብ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እውን ሓቢሮም።

እንተተደሚርናን እንተሰሪሕናን ዝሓሰብናዮ ክዕወት እዩ፤ ነዚ ድማ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መርኣያ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም