ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ፍትሓዊ ተበፃሕነት ልምዓትን ተረባሕነት ህዝብን ንምርግጋፅ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ-ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)

መቐለ/ነሓሰ 26/ 2017(ኢዜኣ) ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ፍትሓዊ ተበፃሕነት ልምዓትን ተረባሕነት ህዝብን ንምርግጋፅ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ መንግስቲ ፌደራል ብዝመደቦ ልዕሊ 483 ሚልዮን ብር በጀት ንዝህነፅ ፕሮጀክት ህንፀት ፅሩይ ዝስተ ማይ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ።

እቲ እምነ ኩርናዕ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን እዮም ኣንቢሮሞ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ፍትሓዊ ተበፃሕነት ልምዓትን ተረባሕነት ህዝብን ንምርግጋፅ መንግስቲ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ።

ህንፀቶም ንዘይዛዘሙ ፕሮጀክትታ ልምዓት መንግስቲ እምነ ኩርናዕ ኣየቕምጥን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ ዝተቐመጠ እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት ህንፀት ኣብቲ ዝተተለመሉ እዋን ከምዝዛዘም እውን ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብግደኦም፤ ብመንግስቲ ፌደራል ዝሳለጡ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተኸታቲልካ ናይ ምፍፃምን ዝተማልአ ኣገልግሎት ንክህቡ ኣብ ምግባርን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እጃሙ ከምዝዋፃእ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌደራል ድሌት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ እቲ ክልል መሰረት ገይሩ ንዘሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ብምምስጋን፤ እቲ ፕሮጀክት መስተ ማይ እውን ህንፀቱ እንትዛዘም ንብርክት ዝበሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተጠቀምቲ ከምዝገብር ኣረዲኦም።

ነባሪት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ዝኾና ወይዘሮ ግደይ ፈረደ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ሩባ ማይ ንምቕዳሕ ጉዕዞ እግሪ 6 ሰዓት ንምግባር ካብ ምግዳዶም ብተወሳኺ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት እናተቓልዑ ከምዝፀንሑ ተዛሪበን።

ካሊእ ነባሪ እቲ ወረዳ ዝኾኑ ኣይተ ሙላው ገብረ ህይወት፤ እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ዝስተ ማይ ዝፈትሕ ስለዝኾነ መንግስቲ ንዝገበሮ ፃዕሪ ኣመስጊኖም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም