ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ ብ483 ሚልዮን ብር በጀት ፕሮጀክት ህንፀት ፅሩይ መስተ ማይ ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ ብ483 ሚልዮን ብር በጀት ፕሮጀክት ህንፀት ፅሩይ መስተ ማይ ተጀሚሩ

መቐለ/ነሓሰ 26/2017(ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ መንግስቲ ፌዴራል ብዝመደቦ 483 ሚልዮን ብር በጀት ፕሮጀክት ህንፀት ፅሩይ መስተ ማይ ተጀሚሩ።
እቲ ኣብ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ዝህነፅ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ፤ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደን ሎሚ መዓልቲ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮምሉ።
እቲ ፕሮጀክት ማይ ኣብ ጣብያታት ገጠር ጅጅቀ፣ስምረትን ፀይቀመን ንልዕሊ 30 ሽሕ ነበርቲ ተጠቀምቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ፕሮጀክት፤ 58 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ መስመር ማይ፣56 ጣብያታት መከፋፈሊ ማይ፣4 መጠራቐሚ ገንእታትን 6 መስተዪ እንሰሳትን ዝሓዘ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ከምዝበቅዕ እውን ተሓቢሩ።