ተረባሕነት ዜጋታት ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝተባብዑ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ተረባሕነት ዜጋታት ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝተባብዑ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 25/2017(ኢዜኣ) ተረባሕነት ዜጋታት ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
‘ለነገዋ የሴቶች ተሃድሶና ክህሎት ማበልጸጊያ ማእከል’ 3ር ዙር ሰልጠንቲ ሎሚ ኣመሪቑ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ዘመሓይሹ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት ብምስላጥ ተረባሕነት ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ፀገም ዘቃልዑ ምኽንያታት ቀዲምካ ኣብ ምክልኻል ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን ፀሪሐን።
ኣብዚ መዳይ ‘ለነገዋ የሴቶች ተሃድሶና ክህሎት ማበልጸጊያ ማእከል’ ትፅቢት ዝግበሮ ሓላፍነት ብምውፃእ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪበን።
እቲ ማእኸል፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ሕማቕ መነባብሮ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕክማናታት ሓዊሱ ሂወተን ዘመሓይሻሉ ዕድል ንክረኽባ ከምኡ እውን ዘላቒ ስልጠና ሂወት፣ክእለትን ሞያን ብምምችቻው ዓርሰን ንክኽእላ እናገበረ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
በቲ ማእኸል ኣብ ክልተ ዙር ስልጠና ወሲደን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዕዉት ሂወት እናመርሓ ከምዝርከባ እውን ፀሪሐን።
ሎሚ መዓልቲ እውን ሳልሳይ ዙር ዝተመረቓ 810 ሰልጠንቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተመረቓሉ ሞያ ንክዋፈራ ዕድል ተመቻችዩ እዩ ኢለን።