ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሕ እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሕ እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ ህንፀት ሰላምን ምርግጋዕን ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሓዳሽ ሹመኛ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ ስትራቴጂካዊ ዘተ ገይሮም።
እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ፃዕርታት ኣፈታትሓ ጎንፅታት ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነትን ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ማእኸል ትኹረት ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ጎንፅን ስግኣትን ኣብ ዘለዎም ከባብታት እቲ ጉድኣት ፍሉይ ትኹረት ከምዘድልዮ ፀሪሖም።
ሓላፍነት ስራሕ ኣምባሳደር ላይቤራታ ምስ ከም ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን መዋቕር ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ(APSA) ዝበሉ ሽቶታት ነዊሕ እዋን ከምዝተኣሳሰር ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ኣብ ዝመርሖም ድርድራትን ከይድታት ሰላምን ምስ ኣሸማገልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣረኣእያ ስርዓተ ፆታን ናይ ምትእስሳር ሽቶ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ካብ ዘረባ ብዝሓለፈ ንደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ እውን ወሃብቲ ውሳነ ንክኾና ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ብደቂ ኣስትዮ ንዝምርሑ ኢንሼቲቫት ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ሙሉእ ደገፍ ከምዝህብ ኣረጋጊፆም።
ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም።
ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ብግደአን፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዘበነ ስልጣነን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ብምምጓት፣እጃም መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ኣብ ስርዓተ ፆታ ዝጭበጡ ውፅኢታት ንምምፃእን ብትኹረት ከምዝሰርሓ ሓቢረን።
እቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ቃል ኪዳናት ኣህጉራውን ኣባል ሃገራትን ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ብምቕያር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይድታት ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ዘለወን እጃም ብምዕባይ ለውጢ ንምምፃእ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዝርኢ ምግላፀን ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።