ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 21/2017 (ኢዜኣ) ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብፂሑ።




እቲ ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ግርማ ብሩን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ እቲ መልእኽቲ ኣብ ዘብፀሐሉ እዋን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ተረኺቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ታሪኻውን ጠንካራን ርክብ ንምቕፃል ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረባሕነት እተን ሃገራ ኣብ ዘረጋግፁ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባራት ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።
ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ብግደኦም፤ ንዝበፅሖም መልእኽቲ ብምምስጋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት መንገዲ፣ኤሌክትሪክን ቴሌኮምን ብትኹረት ንምስራሕ ዝትዮም።

ኣብ መንጎ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ትካላት ፋይናንስ ደቡብ ሱዳንን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዓውዲ ባንኪ ንምዕባይን ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም