ኢትዮጵያ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናቐፀለትሎም እያ-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 21/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ሚኒስትር ኣገልግሎት ኩሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 15 ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ “ሚድያን ኩሙኒኬሽንን ንውህደት ኣፍሪካ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።




ሚኒስትር ኣገልግሎት ኩሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ብኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ፣ብኣህጉራዊ ነፃ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውጥናትን ኣቢላ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዕዞ ምትእስሳር እያ ትርከብ።
ዞባውን ኣህጉራውን ውህደት ጋህዲ ንምግባር ምትእስሳር መሰረተ ልምዓትን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ምጥንኻርን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ልውውጥ ባህሊ ኣብ ምግባርን ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ስራሕቲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሓባራዊ ተረኽ ብምህናፅን ሓባራዊ መንነትን ዕድልን ብምግላፅን ዝበልፀገት ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ዝስርሑ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ መንነታት ንምጉላህን ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ንምጥንኻርን ፅኑዕ መትከል ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ንምጥንኻር እናሰርሐት እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት፣ ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዞባዊ ምትእስሳር እናቀላጠፈ እዩ ኢሎም።
ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ፀገማት ኢንዱስትሪ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ንምፍታሕ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ ጠንካራ ኣስተዋፅኦ ከበርክት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ሙሁራን እቲ ዓውዲ ውህደት ኣፍሪካ ንምጥንኻርን ዝማዕበለት ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባርን መንገድታት ምድማር ብምርኣይ ፃዕሮም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ተጠባባቂ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ እጃም ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ወሳኒ እዩ ኢሎም።
እቲ ጉባኤ፤ ሙሁራን ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ዲሞክራሲን ዞባዊ ምትእስሳርን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ንምዝታይን መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብን ምችው መድረኽ ከምዝኾነ ፀሪሖም።



ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ማርጋሬት ጁኮ (ፕ/ር)፤ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ተረኽ ኣብ ምፍጣር፣ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻርን ዕቤት ኣብ ምምፃእን ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ልዑል እዩ ኢለን።
እቲ ጉባኤ፤ ሙሁራን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ጉዳያት ብምዝታይ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምፍጣር ርኡይ እጃም ንከበርክቱ ዕድል ከምዝፈጥር እውን ተዛሪበን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም