ዘይ ሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ግብረ ራዕድን ብገንዘብ ምድጋፍ ንምክልኻል ኣባል ሃገራት ብሔራዊ አጀንድኦም ጌይሮም ክሰርሕሉ ይግባእ




 

አዲስአበባ/ነሓሰ/21/2017(ኢዜአ)፦ዘይ-ሕጋዊ-ዝውውር ገንዘብን ግብረ ራዕድን ብገንዘብ  ምድጋፍ ንምክልኻል ኣባል ሃገራት ብሔራዊ አጀንድኦም ጌይሮም ብምትሕብባር ክሰርሕሉ ከምዝግበእ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ዓለምፀሀይ ጳውሎስ ገሊፀን።

 ብ ምብራቐ ደቡብ ኣፍሪካ ምክልኻል ገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ መበል 50 ጉባኤ ሓለፍቲ ስራሕ ጉጀለ ምክልኻል ገበን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ጉዳያት ካቢኔ ሚኒስትር ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ፣ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ፋይናንስን ደሕንነትን ሙሉቀን ኣማረን ኣቦ መንበር ፍሬዘር ኣያሌውን ተረኺቦም።

ገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ንምክልኻል ዝጠመተ ዓመታዊ ጉባኤ ጉጅለ ምክልኻል ገበን ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ 24 ነሓሰ 2017 . ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

እቲ ሎሚ ዝጀመረ ጉባኤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ምክልኻል ገበን፤ ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ንምክልኻል ዓመታዊ ጉባኤ ሓደ ኣካል እዩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣባል ሃገራት፣ ሓደ ተዓዛቢን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 1ሺሕን 150 ተወከልቲ ኣብ ምስታፍ ይርከቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም