ወለዶ ናይ ዘመናት ልምዓታዊ ጻዕሩ ብምዕዋት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣቢሉ ትምኒቱ ሰሚሩ እዩ-ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/21/ 2017 /ኢዜኣ/ ወለዶ ብዓርሰ ዓቐሙ ናይ ዘመናት ልምዓታዊ ጻዕሩ ብምዕዋት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣቢሉ ትምኒቱ ሰሚሩ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢንጂነርን ሀብታሙ ኢተፋ (/) ገሊፆም

እቶም ሚኒስትር ከምዝበልዎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ወለዶ እውን ዓብዩ ትርጉም ዝህብ ድሙቕ ኣሰር ልምዓት እዩ፡፡

ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብንቅሓት ብምስታፍ ድሙቕ ታሪክ ምፅሓፎም ኣረዲኦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሰገር ሩባታት ፍትሓዊ ስርዓተ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ንክዓስል ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ከም ዝፀንሐት ኣመልኪቶም፡፡

ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝፀንሐ ዘይፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ዝሓኸኸ እዩ ኢሎም።

ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ብዘተኣማምን ፍሰት ማይ ንክረኽባ ኣብ ምግባር ዘጋጥሞም ዝነበረ ሓደጋ ውሕጅ ምትራፍ ከምዝተኻኣለ ኣረዲኦም፡፡

እቲ ግድብ ህዳሰ ዝተሸከሞ ውህላል ማይ፤ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፍልፍል ሃፍቲ ዓሳን መባፅሕ ኢኮ-ቱሪዝምን እናኾነ ይመፅእ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ብትሕብብር ዜጋታታ ክውን ዝገበረቶ ፕሮጀክት መመንጨዊ ሓይሊ ኣብ ቀረባ ንዓለም ብዘስደምም ድምቐትብፉሉይ ኩነታት  ክተመረቐ ምድላው እናገበረት ምኹና ኣመላኺቶም ሚኒስትር ማይን ኢንጂነርን ሀብታሙ ኢተፋ (/)  ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም