ስርሓቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ወሳኒ ታራ ኣለዎም-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ስርሓቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ወሳኒ ታራ ኣለዎም-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 21/2017(ኢዜአ)፦ስርሓቲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ንሓበራዊ ትርክት ብምህናፅ፣ ሓበራዊ መንነትን ቐፃሊ ጉዑዞ ን ብምርኣይ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምዕዋት ወሳኒ ተራ ኣለዎም ክብሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)ገሊፆም።
መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ "ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ንምትእስሳር ኣፍሪካ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡
ኣብ እቲ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ ፣ኣፍሪካ ኣብ አጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ 2063፣ ኣብ አፍሪካ ናፃ ዞባ ንግድን ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ጅማሮታትን ኣቢላ ናብ ዓሚቐ ኢኮኖሚያዊ ፖለቲካውን ባህላውን ውህደት ኣብ ምግስጋስ ትርከብ ኢሎም
ሙሁራን እዚ ዘፈር ንውህደት ኣፍሪካ ንምሕያልን ዝበልፀገት ኣፍሪካ ክውን ንምግባርን ዓንቀፍቲ ንዝኾኑ ፀገማት ንምእላይ ንመንገድታት መደመር ብምርኣይ ኣቢሎም ፃዕሮም ንምጉልባት ክዳለዉ ከምዘለዎም ኣብ መልእኸቶም ኣገንዚቦም።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፈሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሙኒኬሽን ምብራቕ ኣፍሪካ ማርጋሬት ጁኮ (ፕ/ር)ን ተረኺቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ምሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርቲን መሓዙት ኣካላትን ተሳቲፎም፡፡
ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ጉባኤ÷ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘሰናደኦ ኢዩ፡፡