ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ከፊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ከፊታ

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/21/2017 /ኢዜኣ/ኮሎምቢያ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ከፊታ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።
ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ምክትል ፕሬዚዳንት ፍራንሲያ ማርኬዝ ርክብ ኢትዮጵያን ኮሎምቢያ ንምጥንኻር ንዝገበርኦ ተወፋይነት ንኢዶም።
ፍራንሲያ ማርኩዌዝ ቐድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይደንኦ ብዝነበረ ዕደት ስራሕ ኮሎምቢያ ኣብ ኢትዮጵያ
ኤምባሲ ንምኸፋት ምድላዋ ገሊፀን ነይረን።
ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያ ን ኮሎምቢያ ን ዝጀመርዎ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1947 ምኹኑ መረዳእታታት የመላኸቱ።