ኢትዮጵያ ምስ ስዊዘርላንድን ማልታን ዘለዋ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ክትሰርሕ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምስ ስዊዘርላንድን ማልታን ዘለዋ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ክትሰርሕ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 20/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ስዊዘርላንድን ማልታን ዘለዋ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ታማራ ሞናን ኣምባሳደር ማልታ ኣብ ኢትዮጵያ ሮናልድ ሚካሌፍን ኣሰናቢቶም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብዚ እዋን፤ ክልቲአን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንክጠናኸር እቶም እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደራ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።
እቶም ፕሬዚዳንት ብፍላይ ድማ ምስ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፤ ንብርክት ዝበለ እዋን ዝፀንሐ ኩለመደያዊ ርክብ እተን ሃገራ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ማልታ ዋላ ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ እንተኸፈተት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጠንካራ ምሕዝነት ምምስራት ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ፤ እናዓበየ ዝርከብ ርክብ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ጄኔራል ኣምባሳደር ኣብርሃም መንግሥቱ ንኢዜኣ ገሊፆም።
እዋን ስርሐን ዝዛዘማ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ታማራ ሞና ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ስዊዘርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ጠንካራ ርክብ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ንምጥንኻር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪበን።
እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ማልታ ሮናልድ ሚካሌፍ፤ ማልታ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኤምባሲኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽፋት ርክብ እተን ሃገራት ንምጥንኻር ዘኽእል ዝነኣድ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖምን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ዝበለፀ ንምጥንኻር ኣንፈት ተታሒዙ እናተሰረሐሉ እዩ ኢሎም።