ኢትዮጵያ ምስ ኮሎምቢያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨትመንትን ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምስ ኮሎምቢያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨትመንትን ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 20/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ኮሎምቢያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨትመንትን እውን ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ገሊፀን።
ዘተ ኢኮኖምን ቁጠባን ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ሃገራትን ሰብ ሃፍቲ ኮሎምቢያን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ናይ ነዊሕ ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኢትዮጵያ እቲ ክልቲኣዊ ርክብ ኣብ ንግዲ፣ኢንቨትመንትን ካልኦት ዓውድታትን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ከምትሰርሕ እውን ተዛሪበን።
እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ንኢንቨስተራት ወፃኢ ምችው ምህዳር ከምዝፈጠረት ወሲኸን ፀሪሐን።
ምክትል ሚኒስትር ንግዲ ኮሎምቢያ ሉዊስ ፊሊፔ ኩዊንቴሮ ብግደኦም፤ ኮሎምቢያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።