ፖሊስን ስትራቴጅን ኢንተርፕረነርሺፕ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 20/2017(ኢዜኣ) ፖሊስን ስትራቴጅን ኢንተርፕረነርሺፕ ዓቕምን ፍልጠትን ብምውህሃድ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።
መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ረቂቕ ሰነድ ፖሊስን ስትራቴጅን ኢንተርፕረነርሺፕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣከብቲ ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ሚኒስትር ዲኤታታት፣ሓለፍቲ ቢሮታት ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።




ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ዝገበርኦ መደረ፤ ስራሕን ስርዓትን ህንፀት ባህሊ ኢንተርፕረነርሺፕ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ብፖሊሲ ምምራሕ ይግባእ ኢለን።
ረቂቕ ሰነድ ፖሊስን ስትራቴጅን ኢንተርፕረነርሺፕ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ዝተዳለወን ምህዳር እቲ ዓውዲ ንምስፋሕ ዝዓለመን ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን።
ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ዘለዋ ዓቕሚ ኣስሊሓ፣ፍልጠታት ደሚራ፣ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣተሓባቢራ ንክትሰርሕን ንህንፀት ስነ ምህዳርን ዓብይ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪበን።
መንግስቲ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምዕዋት ካብ ዘጣየሾም ትካላት ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕረነርሺፕ እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም