ኣብ ቻይና ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክእለት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ዘርኣየትሉ እዩ-ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2017(ኢዜኣ) ኣብ ቻይና ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክእለት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ዘርኣየትሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን።
ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 300 ተወዳደርቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ ውድድር ክእለት ቻይና ኢትዮጵያውያን ኣሸነፍቲ ሜዳልያ ወርቂ፣ብርን ነሓስን ኮይኖም እዮም።
ንመበል 11 ኣብ ቻይና ጎዋንዡ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ኢትዮጵያ ወኪሎም ካብ ዝተወዳደሩ መናእሰይ ዘላለም እንዳለው ቀዳማይ ብምውፃእ ሜዳሊያ ወርቂ፣ኣቤኔዘር ተከስተ ካልኣይ ብምውፃእ ኣሸናፊ ሜዳሊያ ብሪ ዝኾነ እንትኸውን ነቢሀ ነስሩ ድማ
ሳልሳይ ብምውፃእ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺቡ።


 



ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል ነዞም ዘሸነፉ መናእሰይ ኣብ ቢሮአን ኣቀባብላ ዝገበራሎም እንትኸውን፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ልምዓት ክእለት ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ንኢዜኣ ገሊፀን።
ኣብዚ ድማ ዝተባባዕ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብምውድዳር ሃገር ምፅዋዕ እናተኽኣለ እዩ ኢለን።
እቲ ኣብ ቻይና ዝተሳለጠ ውድድር ክእለት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ዘርኣየትሉ እዩ ክብላ እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም