መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ቀንዲ ኣጀንድኦም ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ባህር ዳር/ነሓሰ 19/2017(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ቀንዲ ኣጀንድኦም ገይሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
“መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓን ሰላምን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መበል 30 ዓመት ምስረታ ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣምሓራ ዝጠመተ ዝተዳለወ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ተሳሊጡ።




ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀር ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን “ሚድያ ንብሄራዊ ረብሓ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ቀንዲ ኣጀንድኦም ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ሰላማ ዝተረጋገፀ፣ካብ ድኽነት ንምውፃእ እትፅዕር፣ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ልኣላዊነታን ነፃነታን ብምርግጋፅ ተኸቢራ እትነብር ሃገር ምዃና ከርእዩ ኣለዎም ኢሎም።
ክልላዊ ይኹን ብሄራዊ ሚድያታት ካብ ነፀላ ተረኽ ወፂኦም ኣብ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ጠመተ ብምግባር ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ረብሓኣ ንክተኽብርን ኣሸናፊት ኮይና ንክትወፅእን ጠንኪረን ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።


ኣብቲ ላዕለዎት ኣመራራሕ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዝተረኸብሉ መድረኽ ክልተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም ዝተዘተየሎም እንትኸውን፤ መበል 30 ዓመት ምስረታ ኣሚኮ እውን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም