ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኬዝ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2017(ኢዜኣ) ምክትል ፕሬዚዳንት ኮሎምቢያ ፍራንሲያ ማርኬዝ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።

እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬን ኣቀባብላ ገይረምለን።

እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸረሎም ጉዳያት ከምዝዝትያ ትፅቢት ይግበር።

ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ኣብ 2015 ዓ/ም ኣብ ፖለቲካዊ ምኽክርን ካልኦት ዓውድታት ምትሕብባርን ብሓባር ንምስራሕ መረዳድኢ ስምምዕ ምፍርራመን ዝዝከር እዩ።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም