ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሙዜም ህፃናት ንምጥያሽ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ቼክን ስምምዕ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ቼክን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሙዜም ህፃናት ንምጥያሽ ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ሓለፍቲ ብሄራዊ ሙዜምን ኤጀንሲ ዲቨሎፕመንትን ቼክን ኣብ ከተማ ፕራግ ፈሪመምዎ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ህፃናት ማእኸል ዝገበረ ዘበናዊ ሙዜም ህፃናት ንምህናፅ ዘኽእል እንትኸውን፤ መንግስቲ ሪፐብሊክ ቼክ ደገፍ ገንዘብ ከምዝገብር ተገሊፁ።
እዚ ቀዋሚ ሙዜም ህፃናት፤ ኣብ ውሽጢ ቁፅሪ ክልተ ፓርክ ወዳጅነት ከምዝህነፅ እውን ተሓቢሩ።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፤ እቲ ሙዜም ህፃናት ታሪኽን ባህልን ሃገሮም ብቐሊሉ ፍልጠት ንክህልዎም ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣብ ፈጠራ፣ትምህርትን ፍልጠትን ንክጥንክሩ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ገሊፀን።
መንግስቲ ቼክ እዚ ሙዜም ንምጥያሽ ንዝገብሮ ገንዘባዊ ደገፍ እውን ከምዘመስገና ኢቢሲ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም