ንብሔረዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኸባር ንዓቐሚ ውሽጣዊ ሓድነትን ኢኮኖሚን ምሕያል ይግባእ



 

ባህርዳር /ነሓሰ/ 19/20 (ኢዜአ)፦ንብሔረዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኸባር ንዓቐሚ ውሽጣዊ ሓድነትን ኢኮኖሚን ምሕያል ከምዝግባእሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓለም ቢቂላ ሁሪሳ (/) ገሊፆም።

አማራ ሚዲያ ኮርፖሬሽ(አሚኮ) መበል 30 ዓመት ምስረታ ባዓል ኣመልኪቱ "መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓን ሰላምን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ኣውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓለም ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (/) " ሚዲያ ንብሄራዊ ረብሓ"  ብዝብል ርእሲ ኣብ እቲ ኣውደ መፅናዕቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቐሪቦም

ኣብ እቲ ዘቐረብዎ ፅሑፍ ከምዘመላኸትዎ መላእ ኢትዮጵያዊ ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ ንምኸባር ብሓድነት ክረባረብ ይግባእ ።

ንሃገራዊ ረብሓ ሃገር ዝጎድእ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ብልዕልና ምምጓትን ክፈሽልን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ውሽጣዊ ሓድነትን ሰላምን ንምዕቃብ ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ምጥንኻር ዲሞክራስያዊ ዓቕሚ ንምህናፅ ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡

መንግስቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ ንምርግጋፅ ብዕቱብ ይሰርሕ ምሕላዉ ፀሪሖም።

ኮይኑ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ንብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ንምሕላው ኣጀንዳ ፈጢሮም መስራሕ ከምዝግብኦም ኣታሓሳሲቦም ።

ኣብ እቲ ኣውደ መፅናዕቲ ሚኒስትር ድኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ክልል ኣምሓራ አማረ ሰጤ ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ይሳተፉ ምህላዎም ታሓቢሩ ኣሎ ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም