ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ንፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሰናይ ታራ ሒዙ ይዋሳእ ኣሎ-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ



 

አዲስ አበባ/ነሓሰ/19/2017(ኢዜአ)፦ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ንፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሰናይ ታራ ሒዙ ይዋሳእ ኣሎ ከምዘሎ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

" ምዘና ትምህርቲ ንምስግጋር ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ውሳነ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ ኣሎ

እቲ ጉባኤ ኣብ ሞብጎ ኣባል ሃገራት ጥንኩርን ታኣማንነት ዘለዎ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኸእል ምኹኑ ተፀሪሑ ኣሎ።

ኣብ ዝርያ ስርዓት ምዘና ዘለዉ ኣታሓሳስባታት፣ቴክኖሎጂታት፣ልምድታትን ተሞክሮታትን ዝቐርቡ እንትኸውን ብመዳይ እዚ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምዕሳል ዘኸእሉ ጡጡሕዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘኸእል ምኸክር ከምዝግበር ታሓቢሩ ኣሎ።

ብርሃኑ ነጋ (/) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ዓለም ኣብ ከይዲ ለውጢ ስልጣነ ብምዃኑ ቀፃሊ ጉዕዞ ኣፍሪካ ምሕሳብን ምስራሕን የድሊ ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ናይ ኢትዮጵያ ይኹን ናይ ኣፍሪካ ፅባሕ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምህናፅ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ንኣፍሪካ ዝሓቖፈ ለውጢ ንምርግጋፅ ናይ ፅባሕ  ክውስኑ ኣብ ዝኽእሉ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ልምዓት ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓትን ትምህርቲን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (/) ብግደኦም÷ ምዘና ትምህርቲ ካብ ምዘና ሓሊፉ ንሓፈሻዊ ዓወት ትምህርቲ ምውዓል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስራሕ ዕውት ንክኸውን ቐፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ተቐናጅዩ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም