ንአፍሪካ መራሒት መፃኢ ዘመን ንምግባር ንፅሬት ትምህርቲ ጠመተ ምሃብ ኣድላይ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ንአፍሪካ መራሒት መፃኢ ዘመን ንምግባር ንፅሬት ትምህርቲ ጠመተ ምሃብ ኣድላይ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ

አዲስ አበባ/ ነሓሰ/ 19/2017(ኢዜአ)፦ንአፍሪካ መራሒት መፃኢ ዘመን ንምግባር ንፅሬት ትምህርቲ ጠመተ ምሃብ ኣድላይ ምኹኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ጉባኤ "ምዝማን ምዘና ትምህርቲ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ዝጀመረ እንትኸውን ኣብ እቲ መድረኸ ሓበራዊ ማዕቀፍ ምዘና ትምህርቲ እዛ ኣህጉር ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ መኸፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ኣብ ኣፍሪካ ሕድሕድ ውላድ ዕድል ምምሃር ጥራይ ዘየኮነ ልዑል ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንኸረክብ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 41 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ ከምዝበሉዎ፤ ትምህርቲ መሰረት ክብሪን ምዕባለን ኮይኑ ዝቐፅል እዩ።
ኩሎም ህፃናት ክመሃሩ ዝኽእሉሉ ፅባሕ ክፍጠር ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ፅሬት ትምህርቲ ፍሉይ ውህብቶ ዘይኮነስ ንኹሎም ተበፃሒ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዕላማ ዓመታዊ ኮንፍረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ እውን ፅሬትን ተበፃሕነትን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምዘና ትምህርቲ ዝሕገዘሉ መሳርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበይ ከምዘለና እንርእየሉን ናበይ ከምንኸይድ እንምርሐሉን ጎደና ዘማዕዱኢዩ ኢሎም።
እቲ ኮንፍረንስ ልውውጥ ተሞክሮ ዝግበረሉ ከምኡ እውን ፈጠራን መፅናዕቲታትን ብምክፋል ሓሳባት ናብ ዝሐይሸ ምዕራፍ ብራኸ ዝሳገሩሉ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም።
ኣፍሪካ ትዓቢ ከምዘላ ብምፅራሕ ብዝበለፀ መራሒት ምኹን ይግባኣ፤ ነዚ እውን ጥንኩር ፣ፍትሓውን እምነት ዝሕደረሎም ስርዓታት ምዘናን ትምህርትን ምፍጣር ኣገዳሲ ምኹኑ ኣረዲኦም።
ንዓቐሚ ተምሃሮ ክብ ዘብሉ ንፃዕሪ ሃገራት ዘጎልብቱ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ንብልፅግና ዘቀላጥፉ ስርዓታት ንምፍጣር ምትጋህ ከምዝግባእ ሓቢሮም።