መፅሓፍ “ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ”ንህንፀት ዴሞክራሲ ቀንዲ ታራ ሒዙ ክዋሳእ ዝኸእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መፅሓፍ “ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ”ንህንፀት ዴሞክራሲ ቀንዲ ታራ ሒዙ ክዋሳእ ዝኸእል እዩ

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 18/2017(ኢዜአ)፡-መፅሓፍ “ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ”ብዝብል ርእሲ ንሕትመት ዝበቐዐ መፅሓፍ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) ንህንፀት ዴሞክራሲ ቀንዲ ታራ ሒዙ ክዋሳእ ዝኸእል እዩ ፡፡
ኣብ ቤት ምኸሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ተፃሒፉ ንአንባብያን ዝበፅሐ መፅሓፍ ንህንፀት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ልዑል ፋይዳ ከምዝህልዎ ተገሊፁ እዩ ፡፡
ነቲ መፅሓፍ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ስራሕ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ን ሰበ ስልጣናትን ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ገይሮም ኣለዉ ።
ሚኒስትር ኣማኻሪ ዘፈር ማሕበረዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ስቱዲዮ ኢዜአ ኣብ ዘመያየጥሉ መድረኸ እቲ መፅሓፍ ንህንፀት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣበርክቶ ብስፍሓት ዳህሲሱ እዩ ፡፡
ኣብ እቲ መድረኸ ሓሳቦም ዘካፈሉ ሚኒስትር ድኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ ኣብ እቲ መፅሓፍ ኢትዮጵያ ንህንፀት ዴሞክራሲ ዘለዋ ብፅሒት ዝጎልበተ ክብሪ ማሕበራውን ምምሕዳርን ኣለዋ ክብሉ ፀሪሆም።
ኣብ እቲ ዘተ ዝተሳተፉ አምባሳደር ሌንጮ ባቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ዴሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ህዝቢ ሕቶ ኮይኑ ምፅንሑ ኣመልኪቶም ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ እንትላዓል ምስ ሃገረ መንግስቲ ተዛሚዱ ዝላዓል ስለዝኾነ ንጉዑዞ ዴሞክራሲ ክታሓላለኸ ከምዝገበሮ ገሊፆም፡፡
እቲ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ነዚ ናይ ዘመናት ሕቶ ዴሞክራሲ ምስ ፍልስፍና ኢትዮጵያ ኣራኺቡ ምቐራቡ ዝድነቅ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ንኢትዮጵያ ዝመሰለ ጥንታዊትን ዝጎልበተ ባህላዊ ስርዓት ዘለዋ ሃገር ዴሞክራሲ ንምህናፅ ሕንቂሕንቂልተይ ዝገበሮ መሽጥር ድቃስ ከምዝኸልኦም ዝተዛረቡ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)፤እዚ ጣሕሳ “ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ” ንዝብል መፅሓፍ ንክፅሕፉ ከምዘበገሶም ገሊፆም ፡፡
እዚ መፅሓፍ ንቐድሚት ን ኢትዮጵያ ዝኸውን ዴሞክራሲ ኣብ ምህናፅ መበገሲ ሓሳብ ኮይኑ ከምዝጠቅም ዘለዎም እምነት ሓቢሮም፡፡