መፅሓፍ “ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ”ንህንፀት ዴሞክራሲ ቀንዲ ታራ ሒዙ ክዋሳእ ዝኸእል እዩ

 

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 18/2017(ኢዜአ)-መፅሓፍ ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋብዝብል ርእሲ ንሕትመት ዝበቐዐ መፅሓፍ  ተስፋዬ በልጂጌ (/)  ንህንፀት ዴሞክራሲ ቀንዲ ታራ ሒዙ ክዋሳእ ዝኸእል እዩ ፡፡

ኣብ ቤት ምኸሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (/) ተፃሒፉ ንአንባብያን ዝበፅሐ መፅሓፍ ንህንፀት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ልዑል ፋይዳ  ከምዝህልዎ ተገሊፁ እዩ ፡፡

ነቲ መፅሓፍ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ስራሕ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ን ሰበ ስልጣናትን ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ገይሮም ኣለዉ ።

ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሕግዙ ሃገራዊ ክብሪታት ናብ ዕዳጋ ክመፅኡ ኣለዎም ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡

ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ከምዝበሉዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝጠቕሙ ከም ሽምግልና፣ ዕርቂ፣ ሕጊን ካልኦትን ክብሪታት ክፍለጡ ዝግርር ስራሕ ክቕፅል ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

በዓል ሞያ ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽንን ከምኡ እውን ተመራማሪ ኣይተ ከማል ሃሺ ብግደኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘዕበዩዎ ልምዲን ፍልጠትን ብመልክዕ መፅሓፍ ንህዝቢ ምክፋሎም ዝምስገን ልዑል ስራሕ  ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ ብዝብል ርእሲ ዝተፅሓፈ መፅፍ ተስፋዬ በልጅጌ (/) ንሃገር በቆል ፍልጠት ትኹረት ብመሃብ ንኢትዮጵያ ዝመስል ዴሞክራሲ ንመህናፅ ዘኽእል ፃዕሪ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ድማ ምሁር ፍልስፍናን ተመራማሪን ኣይተ ዘሪሁን ተሾመ ኢዮም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም