ሃገራዊ ምኸክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ቀረባ መረፃ ተወከልትን ምትእኸኻብ ኣጀንዳን ከካይድ እዩ

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 16/2017 (ኢዜአ)-ሃገራዊ ምኸክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ቀረባ መረፃ ተወከልትን ምትእኸኻብ ኣጀንዳን ንምክያድ ምድላዋት ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ ።

ዋሃብ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ኮሚሽን ኣሳታፍን ኣካታትን ተግባራት ብግብሪ እናረጋገፀ ምኹኑ ተዛሪቦም ።

በዚ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን፣ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ትካላትን ማሕበራትን ኣብ ምስታፍ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኮይኑ እውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜን አሜሪካ ካናዳን ምትእኸኻብ ኣጀንዳን መረፃ ተወከልትን ከምዝካየድ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ኮሚሽን ወገናት ዳያስፖራ ብኣካልን ብበይነ መረብን ንክሳተፉ ኩነታት ከምዝማዓራረ ኣመልኪቶም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም