እቲ ጉባኤ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ጉባኤ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ከምዝፈጥር ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
“ምዘና ትምህርቲ ንምሽግጋር ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረን ውሳነ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ካብ 19 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ኣብ ሆቴል ስካላይት ክሳለጥ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ምስ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ብምስራሕና እዚ መድረኽ ክነዳልው ተመሪፅና ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ቀዳምን ሰንበትን ቅድመ ጉባኤ ዝግበረሉ መርሃ ግብሪ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ጠንካራን ተኣማንነት ዘለዎን ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዓውዲ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምችው ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘኽእል ምኽክር ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝመፁ 500 ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ 124 ዝተመረፁ ፅሑፋት ምርምር ከምዝቐርቡ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ምዘናን ዘለዋ ተሞኩሮ እተካፍለሉ መድረኽ ከምዝህሉ ብምሕባር፤ ስርዓት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ምምሕያሽ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ልምዓት እተርእየሉ መርሃ ግብሪ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።
ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ “ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ብተግባር እነርእየሉ ዕድል ዝፈጥረልና እዩ”ኢሎም።