ኢጋድን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢጋድን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ኣብ ጃፓን ከተማ ዮካሃማ ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ፎረም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ክልቲኣዊ ዘተ እናሳለጡ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ፉጂ ሂሳዩኪ ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ዜጋታት፣ምብቃዕ መናእሰይ፣ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
ጃፓን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንኣካዳሚ ኣመራርሓ ኢጋድ ንትገብሮ ዘላ ደገፍ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኣመስጊኖም።
ኢጋድን ጃፓንን ክልቲኣዊ ምትሕብባሮም ዘጠናኽር ስምምዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2016 ምፍርራሞም ካብ ኢጋድ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።
መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ፅባሕ ክዛዘም እዩ።