ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንመላእ ኣፍሪካ ምልክትን መርኣያን ዝኸውን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንመላእ ኣፍሪካ ምልክትን መርኣያን ዝኸውን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017(ኢዜኣ) ፕሮጀክት ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንመላእ ኣፍሪካ ምልክትን መርኣያን ምዃን ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሓሳብ ምድማር ጠመተ ዝገበሩ መደመር፣የመደመር መንገድ፣የመደመር ትውልድ ዝተብሃሉ መፅሓፍቲ ንንባብ ምብቅዖም ዝዝከር እዩ።
ቀድማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ‘የመደመር መንግስት’ዝብል 4ይ መፅሓፎም ኣመልኪቶም ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምስክርነት እናተውሃቦም እዩ ዝርከብ።
ከምኣብነት እውን ኣብ ከባቢ እንጦጦ-ሽሮ ሜዳ ዝተሳለጠ ልምዓት ኮሪደር ቅድሚ ሕዚ ዘይነበሩ ልዕሊ 700 ሓደሽቲ ሱቓት ቢዝነስ ከምዝተኸፈቱ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንብርክት ዝበሉ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።
ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ እውን ንብርክት ዝበሉ ሰባት ቢዝነስን ዕድል ስራሕን ምፍጣር ከምዝኸኣለ ብምግላፅ፤ ከም ሓምለዋይ ኣሰር ንመላእ ኣፍሪካ ምልክትን መርኣያን ክኸውን ዝኽእል ስራሕ እዩ ኢሎም።
ልምዓት ኮሪደር ብዝተፈላለየ መልክዑ ስራሕ ምፍጣርን ምስሊ ሃገር ምቕያርን ዘኽኣለ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ከተማ፣ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ኮሪደር ገጠርን ዝጭበጡን ዝረኣዩን ስራሕቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
እቶም ስራሕቲ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኾርዐሎም ዝግባእ ልምዓታት ከምዝኾኑ ብምፅራሕ፤ ኣብ መንጎ ናይ ምድማር መንግስትን ህዝብን ብዘለዉ ሓባራዊ ራኢ ዝተሃነፁ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።