ፖለቲካ ብፅልኣትን ስምዒትን ዘይኮነስ ብልዕልነት ሓሳብ ክምራሕ ኣለዎ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)


 

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/15/ 2017 /ኢዜኣ/ፖለቲካ ብፅልኣትን ስምዒትን ዘይኮነስ ብልዕልነት ሓሳብ ክምራሕ ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኣብርሂሆም

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክሊ "የመደመር መንግስት" ኣብ ዝብል ሓዱሽ መፅሓፎም ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እቲ መፅሓፍ ቅድመ ሐዚ ብንድፈ ሓሳብ ዝተልዓሉ ሓሳባት ትካላዊ ወይ መንግስታዊ ቅርፂ ንክሕዙ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ነበር መንግስታት ኢትዮጵያ ቅርፂ፣ ኣተሓሳስባ፣ ዝፍፀመሉ መገዲ፣ ከዐውቶ ዝድለ ሸቶን ውፅኢትን መንግስቶም በዚ ብርኪ ብሰነድ ሰኒዶም ኣቐሚጦም ኣይፈልጡን ኢሎም።

ናይቲ መፅሓፍ ቀንዲ ሓሳብን ትውልዲ ብፍልስፍና ከመይ ከምዝህነፅ ዘርኣየ ምድማር ትካላዊ ወይ መንግስታዊ ቅርፂ ንክሕዝ ንምኽኣል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምስ ዓለም ኣበይ ተመሓላሊፍና፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማህበራዊን ስምብራታት ኣበይ ጀሚሮም ዝብል እቲ መፅሓፍ ከምዝትንትን ገሊፆም።

ድሕሪት ንምትራፍና ምኽኒያት ዝኾኑ ፈተናታትን ብድሆታትን እንታይ ኢዮም? ኣብ  ዓለምን ንሕናን ዝተፈጠረ ክፍተት ከመይ ክነፅብቦም ንኽእል፣ እንታይ ዓይነት ምድማር እንተተኸቲልና ክፀብብ ይኽእል ዝብል የብርህ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ መፅሓፍ ካብ ዝተለመደ ናይ ምቕዳሕ ኣካይዳ ብምውፃእ መደመራዊ ምህዞ፣ ቅልጣፈን ዝላን ምኽታል ይግባእ ዝብል ከምዝድህስስ ሓቢሮም።

እቲ መፅሓፍ ሓሳብ እንተብርህ ምስ ናይ ቀደም መንግስታት ሓሳባት ንባዕሉ ከምዘወዳድርን ብንፅፅር ዝተመረፁ ሓሳባት ንምንታይ ረብሓ ከምዝውዕሉ ከምዘረድእ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም