መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት‘ ብዝበለፀ ኣድላዪ ዝገብሮ ካብ ውፅኢትን ጭቡጥ ልምዲን ዝተቐድሐ ምዃኑ ኢዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት‘ ብዝበለፀ ኣድላዪ ዝገብሮ ካብ ውፅኢትን ጭቡጥ ልምዲን ዝተቐድሐ ምዃኑ ኢዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/15/ 20117/ኢዜኣ/መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት‘ ብዝበለፀ ኣድላዪን ጠቓሚን ዝገብሮ ካብ ውፅኢትን ጭቡጥ ልምዲን ዝተቐድሐ ብምዃኑ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “የመደመር መንግስት” ኣብ ዝተሰመየ ሓዱሽ መፅሓፎም ÷ ፅንሰ ሓሳብ መደመር ብውልቀ ህይወቶም ንነዊሕ እዋን ዝተለማመዱዎን ኣብ ዝሰርሑዎም ትካላት ተጠቒሞምሉ ውፅኢት ዘመዝገቡሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡፡
ሓሳብ መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት‘ ብዝተፈላለየ ብርኪ ማለት ብውልቀሰብ ይኹን ብጉጅለ ወይ እውን ብብርኪ ትካል ክትግበር ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡
ፅንሰ ሓሳብ መደመር ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ሓሊፉ ናብ መንግስቲ ሓሳብን ቅዋምን ዝዓበየ ብኸይዲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡
እቲ ሓሳብ ናይ ሓባር ብምግባር ብብዙሓት ተቐባሊ ንኽኸውን ካብ ስልጠና ሓሊፉ ብልዝባት፣ ብክትዕን ብሓበሬታታትን ንኽምዕብል ተገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ መፅሓፍ ታሪኽ ዝድህስስ፣ ንቕድሚት ብምስጓም ናይ ፅባሕ ኩነታት ዓለም ንሕና ኣብ ፅባሕ ዘለና ጉዕዞ ከምዝትንትን እውን ፀሪሖም፡፡
እቲ መፅሓፍ ብዝበለፀ ጠቓሚ፣ ኣድላዪን ረብሓ ዘለዎን ንኽኸውን ዝገበሮ ድማ ካብ ውፅኢት፣ ካብ ጭቡጥ ልምዲን ተሞክሮን ዝተቐድሐ ስለዝዝኾነ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኣብ ከይዲ ብዝተረኸቡ ልምዲታት እናደንፈዐ፣ ሓሳብ እናጎልበተ፣ ገለገሊኡ ድማ እናተዓረቐን እናተኣረመን ዕዉት ፅንሰ ሓሳብ ንኽኸውን ጎልቢቱ ከምዝወፅአ ሓቢሮም ከም ፀብፃብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፡፡
መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት‘ ዝኾነ ይኹን ፍረ ብዘይድኻም ከምዘይርከብ ኩሉ ብብዙሕ ድኻም ከምዝተሰናደአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡