እቲ ሚኒስቴር ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታት ብምልማዕ ማሕበረሰብ ተረባሒ ንምግባር ዘሳልጦም ስራሕቲ ከጠናኽሮ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሚኒስቴር ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታት ብምልማዕ ማሕበረሰብ ተረባሒ ንምግባር ዘሳልጦም ስራሕቲ ከጠናኽሮ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/9/2017(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታት ብምልማዕ ማሕበረሰብ ተረባሒ ንምግባር ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቅዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓትን ወፍርን ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ነገሪ ሌንጮ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ሚኒስቴር ከባቢ 600 ዲጂታል መተግበሪታት ኣመሪቑ።
ካብቶም ሎሚ ዝተመረቑ ቴክኖሎጂታት ደብዳበታት ወፃእን ኣታውን፣ስራሕቲ ትራንስፖርት፣ትልምን ቁፅፅርን ከምኡ እውን ምምሕዳር ብኦንላይን ምስላጥ ዘኽእሉ መተግበሪታት ይርከብዎም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቅዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓትን ወፍርን ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ነገሪ ሌንጮ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታ ብምልማዕ ሕብረተሰብ ተረባሒ ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ብግደኦ፤ እቲ ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ከም ሃገር ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብተግባር እናተዋፅአ እዩ ኢሎም።
እቶም ሎሚ ዕላዊ ዝተገበሩ መተግበሪታት እውን ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ካብ ንኽክእ ወረቐት ነፃ ምግባር ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።