ኣሸንዳ ባህላውን ታሪኻውን ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ተዳሊና ኢና

መቐለ/ነሓሰ 8/2017(ኢዜኣ) ኣሸንዳ ባህላውን ታሪኻውን ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላወን ኢዜኣ ዘዘራረበን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ገሊፀን።
ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ በቢዓመቱ ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ኣደባባይ ብድሙቕ ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ከተማ ኣኽሱም እቲ በዓል ንምኽባር ምድላው እናገበራ ካብ ዘለዋ ኢዜኣ ዘዘራረበን ኣክሱማዊት ብርሃነ፣ ሰላም ነጋሽን ኣሰገደች ሃይለን፤ በዓል ኣሸንዳ ባህላውን ታሪኻውን ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላዋት ኣልባሳትን ካልኦትን ምዝዛመን ተዛሪበን።
ካብ ኣልባሳት ጀሚሩ መጋየፅታት ክሳድን እዝንን ኣዳሊወን ብሰላም፣ፍቕርን ሓጎስን ኣብ ኣደባባይ ንምኽባር ከምዝተዳለዋ እውን ሓቢረን።
መግለፂ ሰላም፣ፍቕርን ሓድነትን ዝኾነ ኣሸንዳ ክብሩ ሓሊዉ ንምቕፃል ናይ ኹሉ ፃዕሪ ከምዝሓትት ፀሪሐን።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ገብረመድህን ፍፁምብርሃን፤ እቲ በዓል ክብሩ ብዝሓለወ መንገዲ ንምኽባር ምድላው ተገይሩ እዩ ኢሎም።
እቲ በዓል ኣብ ኣደባባይ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ደም ብምልጋስ፣ታሪኻዊ ስፍራታትን ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታትን ብምክንኻን ከምዝኽበር ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ኮሚቴታት ኣዳለውቲ እቲ በዓል ተጣይሾም ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም