ኣብ ክልል ዓፋር 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኣውስትሮሎፒቲከስ ቅሪተ ኣካል ተረኺቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/8/ 2017 /ኢዜኣ/2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዓመት ዝፅጋዕ ዕድመ ዘለዎ ቅሪት ኣካል ኣውስትሮሎፒቲከስ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዝተረኸበ ጉጂለ ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ አሪዞና   አፍሊጡ።

ባዓልመዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያን ጉጅለ ተመራመርቲ  ሳይንቲስት ዩኒቨርስቲ ስቴት ኣሪዞናን ነቲ ዝርካቡ ውፅኢት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም

በዓል መዚ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ከምዘፍለጦ፤ ጉጅለ ሳይንቲስታትን ተመራመርቲን ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኣሪዞና ምስቲ በዓል መዚ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ሽሙ ሌዲ ገራሩ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዝገበሩዎ ምርምር ኢዩ እቲ ቅሪተ ኣካል ረኺቦምዎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣበባው ኣያሌው፤ ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኣሪዞና እቲ መፅናዕቲ ንምውጋን ምስቲ በዓል መዚ ብሓባር እናሰርሐ ፀኒሑ ኢሎም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ብዝበለፀ ዘጠናኽርን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ቀዳምነት ዘረጋግፅ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም።

ዳይሬክተር ጉጅለ ተመራመርቲ ፕሮፌሰር ኤሚ ሬክተር ዕድመ ሓድሽ ዝርካቡ ኣካል ሓድጊ አውስትራሎፒቲከስ ካብ ክልተ ነጥቢ ሽድሽተ ሚሊዮን እስጋብ ክልተ ነጥቢ ሸሞንተ ዓመት ዘቑፀረ ምኹኑ ገሊፆም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም