ሚድያታት ናይ ሓሶት ተረኽ ብምምካት መሰረት ዕቤት ሃገርና ከርእዩ ኣለዎም-ለገሠ ቱሉ(ዶ/ር)






ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/ 7/2017(ኢዜኣ) ሚድያታት ኢትዮጵያ  ናይ ሓሶት ተረኽ ብምምካት መሰረት ዕቤት ሃገርና ብምርኣይ ኢትዮጵያዊ ጣዕሚ ዘለዎም ትሕዝቶታት ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሠ ቱሉ(ዶ/ር) ገሊፆም።


ብሮድካስቲንክ ኮርፖሬት ኢትዮጵያ (ኢቢሲ) ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘማዕበሎ መተግበሪ ሞባይል(ኣፕ) ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።


ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሠ ቱሉ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ኣሰራርሓን ትሕዝቶን ኢቢሲ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ዘረጋግፅን ንካልኦት ሚድያታ እውን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን እዩ።


ሓበሬታ መዓልታዊ መነባብሮ ደቂ ሰባት ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ዝድህሰሰሉ እዚ እዋን፣ኢቢሲ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ናይ ኩሉ መልክዕ ብዘርኢ ኣግባብ ተበፃሒ ምግባሩ ንሚድያ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ለውጢ እዩ ኢሎም።


ሓበሬታ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ናይ ሰከንድታት ኣፈላላይ ዓለም ሙሉእ ኣብ ዝበፅሐሉ እዚ ዘበን ዝተዛብዑ ተረኻት ዘመሓላልፉ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።


እዚ ምምካት ዝኽእሉ፣ምስሊ ሃገር ዝሃንፁ፣ዜጋታት ዘቀራርቡን ብሄራዊ ረብሓ ዘኽብሩን ትሕዝቶታት ብዲጂታል ዓለም ዘባፅሕ ኣሰራርሓ ኢቢሲ ምምዕባሉ ዓብይ ለውጢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።


መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ሓሶት ተረኽ ብምምካትን መሰረታት ዕቤት ሃገርና ብምርኣይን ኢትዮጵያዊ ጣዕሚ ኣብ ዘለዎም ትሕዝቶታት ትኹረት ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።


ነዚ ድማ ኢቢሲ ንልዕሊ 10 ፍልፍላት ትሕዝቶ ልዕሊ 25 ዲጂታላይዝድ ሲስተማት ተጠቒሙ ተበፃሒ ንምግባር ዝጀመሮ ጉዕዞ ዓብይ መርኣያ እዩ ኢሎም።


ኢቢሲ ናብ ዲጂታል ምዕራፍ ንክሸጋግር ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት እውን ኣመስጊኖም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቢሲ ኣይተ ጌትነት ታደሰ ብግደኦም፤ ኢቢሲ ናብ መላእ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንክበፅሕ ብሰፊሑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሖም።


እዚ ሎሚ ዕላዊ ዝኾነ ዲጂታል ኢቢሲ እውን ናይዚ መርኣያ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም