ኢትዮጵያ ንተፅዕኖ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ንልምዓ ታሃዳሲ ሓይሊ ኣብ ምስፍፋሕ ትርከብ -ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንተፅዕኖ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ንልምዓ ታሃዳሲ ሓይሊ ኣብ ምስፍፋሕ ትርከብ -ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 6/2017(ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ንተፅዕኖ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ንልምዓት ታሃዳሲ ሓይሊ ኣብ ምስፍፋሕ ከምትርከብ ሚኒስቴር ድኤታ ማይን ኢነርጂን ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ገሊፆም ።
ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ንካልኣይ ጉባኤ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ኤግዝቪሽን ቅድመ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ይርከብ ።
እቲ ኤግዚቢሽን ጉዑዞ ስግግር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንኣፍሪካ ዘይብዳህን ትሑት ሰደድ ካርበን መሰረት ዝገበረ ታሃዳሲ ሓይሊ ንምህናፅ ብመዳይ እዚ እናተሳለጡ ዘለዉ ሓበራዊ ስርሓትታት ንምምልኻት ዝዓለመ ምኹኑ ታሓቢሩ ኣሎ።