ፊውቸር ቴክኖሎጂ ኤክስፖ 2025 ኣብ መፃኢ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ


 

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 2 /2017(ኢዜአ)፦ፊውቸር ቴክኖሎጂ ኤክስፖ 2025 ኣብ መፃኢ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእከል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ከም ዝካየድ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂ ኣፍሊጡ።

ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘፋልጥን ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብን ዝሕግዝ ኤክስፖ ክካየድ ኢዩ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣቢዮት ባዩ (/) ከምዝበሉዎ፥ ፊውቸር ቴክ ኣዲስ 2025 ዝተሰመየ ኤክስፖ ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2018 . ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክካየድ ኢዩ፡፡

እቲ ኤክስፖ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምፍላጥ ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብ ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝተረኸቡ ውፅኢታት ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእል እታወት ንምእካብን ቀፃሊ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምፍላጥ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡

ዋና መካየዲ ስራሕ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፓርክ ኢትዮጵያ ሄኖክ ኣሕመድ ብግደኦም፥ እቲ ኤክስፖ ብመሰረት ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ሓሳብን ትግሃትን ዘለዎም መናእሰይ ናብ ፍርያትን ተግባርን ንኽቕይሩ ዘኽእሉ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ኤክስፖ ኩባንያታት፣ ኤምባሲታት፣ ሰብ ሃፍቲን ስታርት ኣፓት ውሽጢ ሃገርን ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ በቢክልተ ዓመቱ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም