ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣፍሪካ ሕሩያት ተሞኩሮኣ ክተቕርብ እያ


ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/ 2/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘለውዋ ሙሩፃት ተሞኩሮ ከምተቕርብ ቤት ፅሕፈት ጉባኤ መፃረዪ ሕገ መንግስቲ ኣፍሊጡ።


ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሕዳር ጉባኤ ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣፍሪካን ካልኦት ተዛመድቲ ትካላትን ከምተተኣናግድ ተገሊፁ።


ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉባኤ መፃረዪ ሕገ መንግስቲ ደሳለኝ ወዬሳ ንኢዜኣ ከምዝሓበርዎ ፤ ኢትዮጵያ ኣባል ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ዓለምን ኣፍሪካን ተዛመድቲ ትካላትን እያ። 


ነዚ ስዒቡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝሳለጡ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ኮንፈረንሳት በቢእዋኑ እናተሳተፈት ከምትርከብ ገሊፆም።


ኣብ በጀት ዓመት 2018 እውን ጉባኤ ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዘለዋ ተሞኩሮ ከምተቕርብ ተዛሪቦም።


ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንትታት ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ዳያኑ ዝሳተፉ እንትኸውን ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ከምዝሳተፉ ኣፍሊጦም።
ካብ 18 ክሳብ 21 ሕዳር 2018 ዓ/ም ንዝሳለጥ ጉባኤ ኣድላይ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም