ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ንዝተፈናቐሉን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዜጋታት ደገፍ ንምግባር ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ንዝተፈናቐሉን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዜጋታት ደገፍ ንምግባር ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እናተገበረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ሸዋ ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ንዝተፈናቐሉን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዜጋታት ደገፍን ሓገዝን ንምግባር ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾነ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ኣይተ ተስፋዬ ሀይሉ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ሰሙን ብዝወቕዖ ከቢድ ዝናብ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ምዕራብን ሸዋ እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ሕርሻታትን ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ።
ብፍላይ ድማ ነበርቲ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳታት ዳዎ፣ኢሉን ሰበታ ሃዋስን ተጠቃዕቲ እቲ ጉድኣት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ድማ ነበርቲ ወረዳታት ኤጀሬ፤ ኤጀርሳ ለፎን ወልመራን ብተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ 6ቲኦም ወረዳታት ዝርከባ 10 ጣብያታት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ በቲ ሓደጋ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቐሉን ጉድኣት ንብረት ከምዝበፅሐን ኣረዲኦም።
በቲ ሓደጋ ንዝተፈናቐሉ ወገናት ደገፍ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ እውን ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ሂወት ንምድሓንን ተመዛበልቲ ንምስፋርን እናተንቀሳቐሰ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ካብ ኩሎም ከባብታት ንዝተፈናቐሉን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዜጋታት ደገፍን ሓገዝን ንምግባር ዝተዋደደ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም።