ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እውን ምትሕብባረን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ እናኾነ መፂኡ እዩ-ፕሬዝደንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እውን ምትሕብባረን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ እናኾነ መፂኡ እዩ-ፕሬዝደንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2017(ኢዜኣ) ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ንግዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እውን ምትሕብባረን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ፕሬዝደንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ምጅማር ወፍሪ ልኡኽቶ ገባሪ ሰናይ ኣፍሪካ ወለንታውያን ሕክምና ቻይናን ዓለም ለኸ ወለንታውያን ሕክምናን 2025 ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሲልክ ሮድ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ፕሬዝደንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሀይ ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣገልግሎታት መጥባሕቲ፣ሕክምና መጥባሕቲ ልቢ ህፃውንቲ፣ሕክምና ዓይንን ሕክምና መጥባሕቲ ማህፀንን ከምዝወሃብ ተገሊፁ።
ፕሬዝደንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን፤ ወለንታውያን ቻይና ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ኣመስጊኖም።
በቲ መርሃ ግብሪ ብርክት ዝበሉ ህፃውንትን ተወሳኺ ሓገዝ ሕክምና ዘድልዮምን ተረባሕቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ እውን ዘለዎም ተስፋ ሓቢሮም።
ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ንግዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እውን ምትሕብባረን ዝበለፀ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን፤ እቲ ብወለንታውያን ሓኻይም ቻይና ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምስ ህዝብታት ቻይና ንዘበናት ዝፀንሐ ምሕዝነትን ሓድነትን ዘርኢ እዩ ኢለን።
ኣገልግሎት ጥዕና ዶብ ከምዘይብሉ ብምሕባር፤ እዚ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ እውን ንኹሉ ሰብ ጠንካራ መልእኽቲ ከምዘለዎ ሓቢረን።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሀይ፤ ቻይናን ኣፍሪካን ናይ ቀረባ ፅቡቓት ፈተውቲ፣መሓዙትን ኣሕዋትን እየን ኢሎም።
ምትሕብባር ጥዕና ቻይናን ኣፍሪካን እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ምሕዝነተን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝተሸጋገረ እውን ኣረዲኦም።