ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ፌዴራል ንሽቶታት ሃገራዊ ዕቤት መሰረት ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ምርምርን ስልጠናን ብትኹረት እናሰርሐ እዩ

ድሬዳዋ/ነሐሰ 1/2017(ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ፌዴራል ንሽቶታት ሃገራዊ ዕቤት መሰረት ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ምርምርን ስልጠናን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ።
እቲ ኢንስቲትዩት፤ ግምገማ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2017ን ኣንፈታት እዚ ሓዱሽ በጀት ዓመትን ኣብ ድሬዳዋ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ፅሬት ማእኸል ብምግበር ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ስልጠና ሞያን ማእኸል ልህቀት ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዃን ዝተጀመረ ስራሕ ክጠናኸር እዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት እቲ ኢንስቲትዩት ጌትነት ተሾመ ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ሃገራዊ ልኡኽትኡ ብዓወት ንምውፃእ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራዊ ዓምድታት ኢኮኖሚ መሰረት ዝገበሩ ምርምርን ስልጠናን ከምኡ እውን ኣብ ሽግግር ቴክኖሎጂ ውፅኢታዊ ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ፅሬት ማእኸል ብምግባር ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምሽካም ማእኸል ልህቀት ምብራቕ ኣፍሪካ ንምዃን ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም ።



እቲ ኣብ ድሬዳዋ ዝተኻየደ ግምገማ ብዝተዋደደን ብዝተናበበን መንገዲ ስራሕቲ ምርመራን ስልጠናን ንምስላጥ ምችው ኩነታት ዝተፈጠረሉ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዳይሬክተር ምርግጋፅ ፅሬት (ኳሊቲ ኣሹራንስ) እቲ ኢንስቲትዩት ሃይለማርያም ምትኩ(ዶ/ር)፤ ኣብ ስልጠና፣መፅናዕትን ምርምርን፣ቴክኖሎጅን ልምዓት ኢንተርፕራይዛትን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ማእኸል ልህቀት ምብራቕ ኣፍሪካ ብምዃን ሃገራዊ ረብሓታት ምጣነ ሃፍቲ ብዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪቦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም