ፆም ፍልሰታ ስለ ህዝብን ሰላም ሃገርን ምፅላይ ይግባእ - ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/30/ 2017 /ኢዜኣ/ፆም ፍልሰታ ስለ ህዝብን ሰላም ሃገርን ብምፅላይ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝ ክነሕልፎ ይግባእ ክብሉ  ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ክብሉ መልእኸቶም ኣማሓላሊፎም፡፡

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፆም ፍልሰታ ቅድስት ድንግል ማርያም 2017 . ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰንዮም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ ንሕና በቢእዋኑ ፆም ንኽንፀውም ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ፍቓድ ስጋና ብምግራሕ ንእግዚአብሄር ሙኡዙዛት ንኽንከውን ኢዩ ኢሎም፡፡

ፆም   መሳርሒ መእለይ ሓጢያት ብምዃኑ ሰውነትና ንግብረ ሓጥያት ካብ ዘገልግሉ ምግቢታት ርሒቕና ብዝሰኸነ መንፈስ ንእግዚአብሄር እናሓሰብና ሓጥያትና እናሓሰብና ብንስሃ ናብኡ ንምቕራብን ንዑኡ ንምእዛዝን ንፀውም ኢሎም፡፡

እግዚአብሄር ካብ ምስዋእ ንላዕሊ ምእዛዝ ስለዝፈቱ ብፆምን ፀሎትን ንዑኡ ክንእዘዝ ይግባእ፤ እግዚአብሄር ኣብ ማህፀን ቅድስት ድንግል ማርያም ክሓድር ዝኸኣለ ‹‹ከምዝበልካዮ ይኹነለይ›› ኢላ ምእዙዝነታ ኣብ ዝገለፀትሉ እዋን ኢዩ፤ ንሕና እውን ከምዝበልካና ይኹነልና እናበልና ከም ማርያም ምእዙዛት ክንከውን ይግባእ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቅልውላው ንእግዚአብሄር ዘይምእዛዝ ዘምፀኦ ጣጣ ከምዝኾነ ማንም ኣይስሕቶን፤ ምእዙዝነት እንተዝህሉ ወዲ ሰብ ንሰብ ዘድሕን እምበር ንሰብ ዝቐትል መሳሪሒ ኣይመፍረየን ክብሉ ብፁእነቶም ኣብ መልእኽቶም ፀሪሖም፡፡

ኮይኑ እውን ንኩሎም ደቂ ሰባት እነመሓላልፎ መልእኽቲ ‹‹ብፍቕሪ  ንእሽትለይ እውን እንትኾነት  ዘለና ብሓባር ተማቒልና ብፍቕሪን ብሰላምን ንንበር›› ዝብል ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኣብ ሱባኤ ፆመ ማርያም ስለ ሰላም ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን ብምፅላይ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝ ክነሕልፎ ይግባእ ክብሉ ሕድሪ ኢሎም ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም